Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም 198 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ሃገራዊ እቶት ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

0 125

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 201 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም 198 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ሃገራዊ እቶት ከምዝተኣከበ ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዚ ዓመት ክእከብ ኣለዎ ኢሉ ካብ ዝሃቦ ትልሚ 213 ቢሊየን ብር እቲ 198 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ምእካቡ ሓቢረን።

ዝተኣከበ እቶት ምስ ሕሉፍ ዓመት እንትነፃፀር ናይ 22 ቢሊየን ብር ወሰኽ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሀን።

እዚ ድማ እቲ ሚኒስቴር፥ እቶት ናይ ምእካብ ዓቕሙ ካብ እዋን ናብ እዋን ክብ ይብል ምህላዉ ዘርእይ ኢዩ ብምባል ወይዘሮ ኣዳነች ገሊፀም።

ካብቲ ድምር ዝተኣከበ እቲ 120 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር እቶት ውሽጢ ዓዲ፣ 77 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ድማ ካብ ቀረፅ ዝተኣከበ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብፅሒት ሃገራዊ እቶት ክብ ምባሉ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ወፃኢ ብባዕላ ንምሽፋን እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ኣብ ቅኑዕ መገዲ ምህላዉ ዘርእይ ኢዩ ኢለን።

Comments
Loading...