Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ምዕባይ ዘለዋ ሃገራት ንመርሃ ግብሪ ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝውዕል ደገፍ 15 ሚሊየን ፓውንድ ረኺበን  

0 31

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሪታኒያ፥ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ምዕባይ ንዘለዋ ሃገራት ንመርሃ ግብሪ ምርግጋፅ ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝውዕል ደገፍ 15 ሚሊየን ፓውንድ ዕላዊ ገይራ።

እቲ ድጋፍ ትማሊ ኣብ ዝጀመረ ዓለም ዓለኻዊ ኮንፈረንስ ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ናይ ብሪታኒያ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሃርየት ባልድዊን ዕላዊ ገይረን።

እቲ መርሃ ግብሪ ብዋናነት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሴራሊዮንን ባንግላዴሽን ትኹረት ከምዝገብር ድማ ተሓቢሩ።

ዕላዊ ካብ ዝተገበረ 15 ሚሊየን ፓውንድ እቲ 12 ሚሊየን ፓውንድ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ምዕባይ ንዘለዋ ሃገራት ንመርሃ ግብሪ ምርግጋፅ ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝውዕል ኢዩ።

እቲ 3 ሚሊየን ድማ ኣብ ሰሜን ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ኣብ ዘለዋ ሃገራት ንምርግጋፅ ምዝራብን ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽን ዝውዕል ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ሓቢረን።

Comments
Loading...