Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ብሓባር ንምስራሕ ተስማሚዐን

0 121

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕማዓ ተገሊፁ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ ብርሃኑ ፀጋዬ ብምክትል ሚኒስትር ሚኒስቴር ፍትሒ ቻይና ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።

ኣይተ ብርሃኑ፥ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ገበናት ግዕዝይና፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ናይ ምርዳእን ኣብ ምክልኻል ብዙሓት ስራሕቲ ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ፥ ስርዓት ፍትሒ ብዝበለፀ ተበፃሒ ንምግባር ዝሕግዙ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ካብ ቻይና ንምጥቃም ድልየት ከምዘለዋ ኣብሪሆም።

ምክትል ሚኒስትር ሚኒስቴር ፍትሒ ቻይና ሊዩ ዜንዩ ብግደኦም፥ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴሪኢ ኣብዛ ሃገር ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ዓሊሙ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ንኢዶም።

ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ስዒቡ ስርዓት ፍትሒ ንምምሕያሽ ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ መንግስቲ ቻይና ከምዝድግፍ እውን ሓቢሮም።

ክልቲአን ሃገራት ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምኽባርን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕ እውን ከቲመን።

Comments
Loading...