Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ካልኣይ ዙር ፌስቲቫል ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክሳለጥ ኢዩ

0 101

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ሎሚ ዘበን ንካልኣይ ግዘ ዝኽበር ፌስቲቫል ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2011 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ እዮ።

ቤት ፅሕፈት ዳያስፖራ ትግራይ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2011 ዓ.ም ንዝካየድ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ተጋሩ ንምክያድ ኮሚቴታት ኣጣይሹ ይሰርሕ ምህላዉ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ዳያስፖራን ፈተውቲ ትግራይን ዝሳተፉ እንትኾኑ፥ እቲ ፌስቲቫል “ሓድነት ዳያሰፖራ ተጋሩ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ!” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ፌስቲቫል ንምስታፍ ኦንላይን ምዝገባ ይካየድ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ካብ 24-30 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሳለጥ 2ይ ዙር ዓለም ለኸ ፌስትቫል ዲያስፖራ፥ ካብ ኣውሮፓ ጥራሕ ልዕሊ 400 ሰብ ክሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ኣቦመንበር ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ዶ/ር ብርሃኑ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም።

ቤት ፅሕፈት ዳያስፖራ ትግራይ ከምዝበሎ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዘለዉ ዳያስፖራ ተጋሩ Www.tig-gpr.org ብዝብል ኣድራሻ(ድረ ገፅ) ብምጥቃም ብኦን ላይን ክምዝገቡ ይኽእሉ እዮም።

Comments
Loading...