Fana: At a Speed of Life!

ስደተኛታት ብነፈርቲ ካብ ዝተደብደበ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ንክወፅኡ ተፈቒዱሎም

0 66

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰብ መዚ ሊብያ ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብነፈርቲ ዝተደብደበን ኣብ ታጁራ ዝርከብን ቤት ማእሰርቲ ንክወፅኡ ከምዘፍቐዱ ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 50 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፥ እቲ መጥቃዕቲ ሓይልታት ጀነራል ከሊፋ ሃፍጣር እዮም ፈፂሞምዎ ተባሂሉ።

እንተኾነ ግን ሓይልታት ጄነራል ሃፍጣር እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት መንግስቲ እዩ ተፈፂሙ እዮም ዝብሉ።

ኣብቲ ኣብ ጥቓ ትሪፖሊ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ታጁራ ዘለዉ መብዛሕተኦም ስደተኛታት፥ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ሱዳንን ዝመፅኡ ምዃኖም ይግለፅ።

ድሕሪ እቲ ደብዳብ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተረፉ ስደተኛታት ካልእ መጥቃዕቲ ክበፅሖም ከምዝኽእል ክሰግኡ እዮም ፀኒሖም።

ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ዘውኦ መግለፂ፥ ሕዚ እቶም ዝተረፉ ኣስታት 310 ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ከምዝገዓዙ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ትካል ከምዝበሎ፥ እቶም ትማሊ ሰሉስ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክእወፅኡ ዝተፈቐደሎም 260 ሰባት ከምድላዮም ከወፅኡን ክኣትዉን ናብ ዝኽእልሉ ክፉት መዕቖቢ እዮም ክኣትዉ።

እቶም ዝተረፉ ኣስታት 55 ዝኾኑን ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደተኛታት ተባሂሎም ዝተፈለዩን ድማ፥ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰግርሉ ናብ ዝኽእሉ መበገሲ ቦታ ክወሰዱ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

 

Comments
Loading...