Fana: At a Speed of Life!

ሆፕ ለን ዝተብሃለ ኩባኒያ ሆንግ ኮንግ ፓርክ ኢንዱስትሪ ባህርዳር ተረኪቡ

0 59

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሆፕ ለን ዝተብሃለ ኩባኒያ ሆንግ ኮንግ ፓርክ ኢንዱስትሪ ባህርዳር ተረኪቡ።

እቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲን ኣመራርሓ እቲ ኩባኒያን ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ዝተፈፀመ እንትኸውን፥ ኩባኒያ ሆፕ ለን ካብዚ ንደሓር ነቲ ፓርክ ሙሉእ ንሙሉእ ከመሓድሮ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ 75 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዝዓረፈ ፓርክ ኢንዱስትሪ ባህርዳር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን 93 ሚኢታዊ ህንፀቱ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ዝርገሐ ኤሌክትሪክን ማይን እውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከምዝዛዘም ተሓቢሩ።

ከም ኣገላልፃ ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ሌሊሴ ነሜ፥ ፓርክ ኢንዱስትሪ ባህርዳር ህንፀቶም ብምዝዛም ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ካብ ዝኣትዉ ሸውዓተ ፓርክታት ሓደ ኢዩ።

እቲ ፓርክ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጅማርኡ ን6 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥር እንትኸውን፥ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ እንትኣቲ ድማ ን10 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኢዩ።

Comments
Loading...