Fana: At a Speed of Life!

ብሰናይ ድልየት ዝፍፀም ኣብያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ናይ ምሕዳስ ስራሕ ተጀሚሩ

0 21

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2011(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን ክራማት ብብርኪ ሃገር ብሰናይ ድልየት ዝፍፀም ኣብያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ናይ ምሕዳስ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማንን ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጥቁር ኣንበሳን ተረኺቦም በዕሊ ኣጀሚረሙዎ ኣለዉ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ መርሃ ገብሪ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ነበርቲን ሰብ ሃፍቲን ተረኺቦም ኢዮም።

ስለ ዝኾነ ኣብተን ትካላት ስራሕቲ ፅርየት ብምክያድ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀፅሪ ምትካል ፈልሲ ክካየድ ኢዩ።

 

Comments
Loading...