Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ስዑዲ ምስ ኩባንያ ቦይንግ ዝኣተዎ ውዕል ዕድጊት ነፈርቲ 737 ማክስ ሰሪዙ

0 34

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ስዑዲ ‘ፍላይድይል’ ምስ ኩባንያ ቦይንግ ኣትዩዎ ዝነበረ ውዕል ምግዛእ 30 ነፈርቲ 737 ማክስ ሰሪዝዎ።

እቲ ውሳነ ንምወዳቕ ማክስ 737 ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ስዒቡ ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኩባንያ ቦይንግ፥ ፍላይድይል ካብቲ ስምምዕ ምውፃኣ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ  ስምምዕ ኣስታት 5 ነጥቢ 9 ቢልየን ዶላር ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ትሕቲ ብመንግስቲ ዝውነን መገዲ ኣየር ሱዕዲ ዝመሓደር ፍላይድይል ነቲ ዝሃቦ ውሳነ ስዒቡ፥ ኣቓልቡኡ ናብ ኩባንያ መፍረ ነፈርቲ ኣይርባስ ብምግባር A320 ዝዓይነተን ነፈርቲ ክውንን’ዩ ተባሂሉ።

ድሕሪ’ቲ ምወዳቕ ማክስ 737 ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ስዒቡ፥ እተን ዓይነት ነፈርቲ ካብ ስራሕ ደው ኢለን ይርከባ።

እተን ደው ኢለን ዘለዋ ዓይነት ነፋርቲ 737 ማክስ መዓስ ናብ በረራ ከም ዝምለሳ ብጩቡጥ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ቦይንግ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንስድራቤት ግዳያት እቲ ሓደጋታት ዝኸውን 100 ሚልየን ዶላር ከም ዝህብ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።

እዚ ገንዘብ ምስቲ ብስዳራቤት ግዳያት ዝተመስረተ ክሲ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። እዚ ስጉምቲ ብጠበቓታት ስድራቤት ግዳያት ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...