Fana: At a Speed of Life!

ትሪፖሊ ንምሓዝ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ኣብ ዝተኸየደ ኲናት 1 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

0 59

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሊቢያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ትሪፖሊ ንምሓዝ ኣብ ዝተኸየደ ኲናት 1 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ሓይሊታት ከሊፋ ሃፍጣር ነታ ዋና ከተማ ንምሓዝ ኣብ ዝገበርዎ ምንቅስቓስ ካብ ዝሞቱ ሰባት እቶም 60 ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ እዮም።

እቶም ሓይሊታት ኣብዝሓ ምብራቓዊን ደቡባዊን ክፍሊ እታ ሃገር ዝተቖፃፀሩ እንትኾኑ፥ ብምድሪን ኣየርን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 1 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ካልኦት ኣስታት 5 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ድማ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣስታት 100 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ 5 ሺሕን 700 ተመዛበልቲ እቶም 3 ሺሕን 300 ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ቀጠና ዘለዉ ብምዃኖም ነዚኦም ካብቲ ከባቢ ብምውፃእ ድሕንነቶም ምሕላው ቅድሚያ ክወሃቦ ከምዝግባእ እቲ ፀብፃብ የረድእ።

 

 

ፍልፍል፦ አልጀዚራ

Comments
Loading...