Fana: At a Speed of Life!

ቅዱስ ጊዮርጊስ ንዘቕረቦም ሕቶታት ምላሽ ክሳብ ዝረክብ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ንገዛእ ርእሱ ከምዘግለለ ኣፍሊጡ

0 73

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንዘቕረቦም ሕቶታት ቅኑዕ ምላሽ ክሳብ ዝረክብ ካብ ውድድራት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሱ ከምዘግለለ ኣፍሊጡ።

እቲ ጋንታ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኮሚቴ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ መይድኡ ዝህልዎ ተረባሕነት ንክስእን ዓሊሙ ምስ ወልዋሎ ዝግበር ፀወታ “ብዕፅው ወይ ኣብ ስታዲየም ኣዳማ ክትፃወቱ ኣለኩም” ብምባል ክልተ ጊዜ እቲ ፀወታ ክቋረፅ ከምዝገበረ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ጋንታት ማዕረ ኣይተርኣየን ክብል ቅርትኡ ኣቕሪቡ።

ብተወሳኺ ኣብ መበል 29 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንፋሲል ከነማ ብፎርፌ ዝተውሃበ ሙሉእ ነጥቢ ኣግባብነት ዘይብሉን ኣድልዎ ዘለዎን ከምዝኾነ ኣብቲ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ፌዴሬሽን ዝወሰኖም ኢ-ፍትሓዊ ዝኾኑ ስጉምቲታት ክምርመሩን ብዘይኣግባብ ዝተውሃበ ፎርፌ ንክለዓልን ሓቲቱ ኣሎ።

ንዘቕረቦም ሕቶታት ምላሽ ክሳብ ዝረክብ ድማ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሱ ከምዘግለለ ኣፍሊጡ።

Comments
Loading...