Fana: At a Speed of Life!

መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ወርሒ ሓምለ ብዝነበሮ ክቕፅል ኢዩ

0 96

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ወርሒ ሓምለ ብዝነበሮ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚስቴር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ብዘይካ ንነፈርቲ ዝኸውን ነዳዲ ካልኦት ዓይነታት ነዳዲ በዝነበርዎ መሸጢ ዋጋ ክቕፅል ኢዩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝህሉ መሸጢ ዋጋ ንኣውሮፕላን ዝኸውን ነዳዲ፥ 23 ብርን 31 ሳንቲምን ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 25 ብርን 56 ሳንቲምን ዝሽየጥ ዝነበረ እንትኸውን፥ 2 ብርን 25 ሳንቲምን ቅናሽ ኣርኢዩ ኣሎ ማለት ኢዩ።

Comments
Loading...