Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ሃገር ብተላባዒ(ወረርሽኝ) ሕማም ኮሌራ ዝተትሓዙ ቁፅሪ ሰባት 871 በፂሑ

0 72

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ሃገር ብተላባዒ(ወረርሽኝ) ሕማም ኮሌራ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 871 ከምዝበፅሐ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬተር እቲ ኢንስቲትዩት ዶክተር ጌታቸው ቶሌራ፥ ኩነታት እቲ ሕማም ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ዶክተር ጌታቸው፥ ተላባዒ(ወረርሽኝ) ሕማም ኮሌራ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ሶማሌን ዓፋርን ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምዝተኣታተወ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብብርኪ ሃገር በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ቁፅሪ ሰባት 871 ምብፅሑ እውን ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ትግራይ 19 ሳባት፣ ኦሮሚያ 360 ሳባት፣ ኣምሓራ 202 ሳባት፣ ሶማሌ 33 ሰባት፣ ዓፋር 131 ሳባት ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 125 ሳባት ከምኡ እውን ኣብ ድሬዳዋ 1 ሰብ በቲ ሕማም ከምዝተሓዙ ሓቢሮም።

ክሳብ ሐዚ 17 ሰባት በቲ ሕማም ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ዶክተር ጌታቸው ገሊፆም።

ካብ እቶም ዝመቱ እቶም 14 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ክልተ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ሓ ኣበ ዓፋር ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር፥ ናሙናታት(መርኣያታት) ብመፅናዕቲ ናይ ምፍላይን ብላቦራቶሪ ናይ ምርግጋፅን ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ሕማም ናብ ዘለዎም ከባቢታት መድሓኒታት ንባፃሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

Comments
Loading...