Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ 10 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ዓብይ ጉያ ጎደና ክካየድ እዩ

0 42

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ 10 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ዓብይ ጉያ ጎደና ካብ 29 ክሳብ 30 ሰነ 2011 ዓ.ም ክካየድ እዩ።

እቲ ዓብይ ጉያ ጎደና፥ ህፃውንትን ዓበይትን ዘካተተ ከምዝኾነ መስራቲን በዓልዋናን ናትና ስፓርት ኢቨንትስ ኣትሌት ገብረእግዚኣብሄር ገብረማርያም ተዛሪቡ።

ንሳልሳይ ግዘ ዝካየድ ዘሎ ዓብይ ጉያ ጎደና፥ ሓደሽቲ ኣትሌታት ዝፈርዮሉን ምስሊ እታ ከተማ ዝላለየሉን ከምዝኾነ ኣትሌት ገብረእግዚኣብሄር ተዛሪቡ።

 

29 ሰነ 2011 ዓ.ም ወጋገን ናትና ህፃውንቲ ዓብይ ጉያ ጎደና ዝሳለጥ እንትኸውን፥ 30 ሰነ ድማ ወጋገን ናትና ዓብይ ጉያ ጎደና ዓበይቲ ክሳለጥ እዮ።

ብክልቲኡ ፆታ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሻብዓይ ንዝወፅኡ ተነሓናሕቲ፥ ካብ 2 ሺሕን 500 ክሳብ 60  ሺሕ ብር ሽልማት ተዳልዩ ከምዘሎ ኣትሌት ገብረእግዚኣብሄር ኣፍሊጡ።

 

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...