Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብኣፍ ዝውሰድ ክትባት ተላባዒ ሕማም ኮሌራ ምሃብ ተጀሚሩ

0 75

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2011(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብኣፍ ዝውሰድ ክትባት ተላባዒ ሕማም ኮሌራ ምሃብ ከምዝተጀመረ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ኣሚር ኣማን ኣፍሊጦም።

እቲ ክታበት በቲ ተላባዒ ሕማም ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝወሃብ ዘሎ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ሕማም፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ትግራይን ሶማሌን ከምኡ እውን ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ኣርባዕተ ክልላት 614 ሰባት ብሕማም ኮሌራ ከምዝተትሓዙ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ምግላፁ ይዝከር።

ኣብ ክልል ትግራይ 18፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 294፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ 198፣ ኣብ ክልል ሶማሌ 33 ሰባት በቲ ሕማም ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ኣብ ኣምሓራ 14 ሰባት ብምኽኒያት እቲ ሕማም ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ኣብ ትሽዓተ ክፍለ ከተማታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ 70 ሰባት፣ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ድማ 1 ሰብ በቲ ሕማም ከምዝተትሓዘ በዝተገበረ ሕክምናዊ ምርመራ ላቦራቶሪ  ከምዝተረጋገፀ ተሓቢሩ።

Comments
Loading...