Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሱር ንክሰድድ ኣብያተ ምኽሪ ግደአን ከበርክታ ይግባእ-ዶክተር ደብረፅዮን

0 193

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓበራዊ መድረኽ ኣፈ ጉባኤታት ኣብያተ ምኽሪ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ አፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታደሰ ጫፎ፣ አፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤታት ከምኡ እውን ምክት አፈ-ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴራል ኣይተ ታገሰ ጫፎ እቲ ሓበራዊ መድረኽ እንትኸፍቱ ከምዝበልዎ፥ ኣብያተ ምኽሪ ተፀዋዕነተን ንህዝቢ ኢየን።

ብመሰረት እዚ ኣፈፀምቲ ኣካላት፥ ሃፍቲ ህዝብን መንግስቲን ኣብ መዓልኡ ከምዘውዓሉዎ ናይ ምቁፅፃር ሓላፍነት ኣለወን ኢሎም።

ካብዚ ብምብጋስ ብኣፈፀምቲ ኣካላት ፌዴራል ዝወፅኡ ፀብፃባት ኦዲት፥ ብኮሚቴ ብምፍታሽ ምምሕያሻት ንምግባር ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብቲ ሓበራዊ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብግደኦም፥ ግፍዐኛ ስርዓት ኣፍሪስና ህዝባውን ሕገ መንግስታውን ስርዓት ኣብ ዝተኸልናላ ድሮ በዓል ክቡርቲ መዓልቲ ዓወት 20 ጉንበት ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ብምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊፆም።

ኣብያተ ምኽሪ፥ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገበ ስሉጥ ዝኾነ ቁጠባዊ ዕብየትን ህንፀት ሰርዓት ዴሞክራስን ልዑል ግደ ከምዝነበረን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሱር ንክሰድድ ኣብያተ ምኽሪ ግደአን ከበርክታ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብ 2012 ዓ.ም ዝካየድ ሃገራዊን ክልላውን መረፃ ብኣግባቡ ንክካየድ እተን ኣብያተ ምኽሪ ልዑል ግደ ከምዘለወን ኣብሪሆም።

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብያተ ምኽሪ እንትጣየሻ ንሓደ ከባቢ ወይ ንሓደ ብሄር ብዝበለፀ ብዝጠቅም መልክዑ ኣምሲልካ ብምስአል “ክሳብ ሐዚ ሓደ ብሄር እዩ ተጠቃሚ ነይሩ” ዝብል ቀይናን ኣተሓሳስባ ንክስበር ኣብያተ ምኽሪ ንሓደ ብሄር ዝጠቅም በሪ ከምዘይብለን ብትረት ክቃለሳን ኣብ ዝካየዱ ጉባኤታት እውን እዚ ኣተሓሳባ ንክቕረፍ ክስረሐሉ ይግባእ ኢሎም።

ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ መንጎ ክልላት ዘሎ ረኽቢ እናሓርፈፈ ምምፅኡን ኣብ መንነት ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ይውስኽ ምህላዉን ዝሓበሩ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ነዚ ኣብ ምክልኻል እተን ኣብያተ ምኽሪ ክቃለሳ ከምዝግባእ አገንዚቦም።

እቲ መድረኽ ትማሊ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይምርግጋእ ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስ ግደ ኣብያተ ምኽሪ እንታይ ክኸውን ከምዘለወን ንቐፃሊ እውን ካብዚ ፀገም ንምውፃእ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዓሊሙ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌደሪኢ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መርሃግብሪ ህንፀት ዓቕሚ ፓርላማ፣ ኣብ ክሊ ኣሰራርሓ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተገበረ መፅናዕቲ፣ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘሎዉ ረቂቕቲ ሰነዳትን ስትራቴጂታትን ቀሪቦም ዓምዩቕ ዘተ ተገይሩሎም ኢዩ።

Comments
Loading...