Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ሓዳሽ ንዝተረኸበት ገዛፍ ኣካል ህዋ ስያመ ንክህቡ ፃውዒት ቀሪቡ

0 425

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍቢሲ)ኢትዮጵያውያን ሓዳሽ ንዝተረኸበት ገዛፍ ኣካል ህዋ ስያመ ንክህቡ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ፌዴሪኢ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ዓለም ለኻዊ ሕብረት ህዋ እቲ ዕድል ንኢትዮጵያ ከምዝሃባ ድማ ተሓቢሩ።

ሳይንሳዊ መፍለዪ ቁፅሪ እቲ ኣካል፥ ኤችዲ 16175 ን ኤችዲ 15175ቢ ን ዝተብሃለ ኮኾብን እታ ኮኾብ እትዘውር ፕላኔትን ዝሓዘ ስርዓት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለ ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር፥ ነታ ግዝፍቲ ኣካል ስያመ ንምሃብ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን 920 ብምጥቃም ሓፂር መልእኽቲ ንክልእኹ ፀዊዑ።

Comments
Loading...