Fana: At a Speed of Life!

ብመስዋእቲ ንዝተሃነፀ ሕገ-መንግስቲ ንዘፍርስ ዝኾነ ሓይሊ ብትሪ ከምዝቃለሳ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ገሊፀን 

0 256

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ) ብመስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ንዝተሃነፀ ሕገ-መንግስቲ ንዘፍርስ ዝኾነ ሓይሊ ብትሪ ከምዝቃለሳ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ገሊፀን።

ዓስራይ ጉባኤ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ “ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ትእምርቲ ፅንዓትን ዓወትን “ብዝብል ቴማ ንሰለስተ መዓልታ ከካይሀድኡ ዝቐነያ መድረኸን ትማሊ ኣማሲየን ዛዚመን።

እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሐ ጉባኤ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገርን ክልልን ዘትዩ።ብመሰረት አዚ ብሄራት ንሄረሰባትን ህዝብታትን እዛ ሃገር ዘይኽበሩሉ ኢሉ ዉን እዛ ሃገር ኣብ ዘይተረጋገዐትሉ ኩነታት ከምዘሎ ገምጊሙ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዜጋታት ዝመዛበሉሉን ሕገመግስታዊ ስርዓት ፌዴራሊዝም ንምፍራስ ፃዕርታት ኣለዉ ኢሉ።

እዚ ደማ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብትሪ ከምዝቃለሰኦ ገሊፀን።

እቲ ጉባኤ ትማሊ ኣማስዩ እንትዛዘም በዓል 14 ነጥቢ መገለፂ ቅዋም ኣዉፂኡ።

እተን ደቂ ኣንስቲዮ ኣበ ዘውፅእኡ መግለፂ ቅዋም፥ ህዝቢ ትግራይ ንምድኻም ዝግበር ሸርሒ ክቃለሰኦ ቃል ኣቲወን።

ኣብ ሕርሻን ገፀር ልምዓትን ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቓስ እውን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ኣፍሊጠን።

ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘፈር ማኒፋክቸሪንግ ብምዉፋር ኣብ ከተማን ገፀርን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከባቢአን ካብ ዝርከብ ትካል ልቓሕ ብምዉፃእ ካብ ስደት ተናጊፈን ሂወተን ዝመርሓሉ ባይታ ክፍጠር እዩ ኢሉ እቲ መግለፂአን።

ኣብቲ ጉባኤ ብድምፂን ብዘይድምፂን 797 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋ እንትኾና፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን፣ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን እቲ ማሕበር ተረኺቦም እየን።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፥ ደቂ ኣንስትዩ ትግራይ ኣብዛ ሃገር ፌዴራላዊ ስርዓት ንክነግስን ሕገመንግስቲ ክትከልን ግደኣን ኣበርኪተን ክብሉ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ መደረ ምስምዖም ይዝከር።

 

ብዮናታን ግዛቸዉ

Comments
Loading...