Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ

0 364

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ሃገራዊ ሰላም፣ ሓድነትን ህልውናን ትኹረት ብምግባር ኣብ ዓመት ክልተ ጊዘ ካብ እተኻይዶም እቲ ሓደ ኢዩ።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ “ሲኖዶስ ጓሳ ህዝቢ ከምዃኑ መጠን ኣብ ጎድኒ ሃገረ ስብከትን ህዝብን ብምዃን ንሕብረተሰብ ከምህር፣ ይቕረ ይቕረ ከበሃህልን ናብ ሓቃዊ መገዲ ክመርሕን ይግባእ” ኢሎም።

ህዝቢ ድማ ምኽሪን ኣስተምህሮን ኣቦታት ብምቕባል ሰላሙን ሓድነቱን ብሓባር ክሕሉ ከምዝግባእ ገሊፆም።

Comments
Loading...