Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ 5 ሺሕ ሜትሮ ርሕቐት ዝሸፈነ ቅድድም ዳይመንድ ሊግ ደቂ ተባዕቲዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

0 94

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ 5 ሺሕ ሜትሮ ርሕቐት ዝሸፈነ ቅድድም ዳይመንድ ሊግ ጉያ ደቂ ተባዕቲዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

እቶም ኣትሌታት ኣብ ቻይና፣ ሻንጋይ ኣብ ዝተሳለጠ ጉያ፥ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ተኸታቲሎም ብምእታው ብፀብለልታ ውድድሮም ዛዚሞም።

ብመሰረት እዚ ዮሚፍ ቀጀልቻ ነቲ ውድድር ብ13 ደቒቓ 04 ሰከንድን 16 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳማይ ኮይኑ።

ሰለሙን ኣረጋ ብ13 ደቒቓ 04 ሰከንድን 71 ማይክሮ ሰከንድን ካልኣይ፥ ሃጎስ ገብረህይወት ድማ ብ13 ደቒቓ 04 ሰከንድን 81 ማይክሮ ሰከንድን ውድድሩ ብምዝዛም ሳልሳይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ብተመሳሳሊ ብደቂ ኣንስቲዮ ኣብ ዝተገበረ 1 ሺህን 500 ሜትሮ ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር፥ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ካልአይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።

Comments
Loading...