Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ሎሚ መዓልቲ ኣኼብኡ ከሳልጥ’ዩ

0 120

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ሎሚ መዓልቲ ኣኼብኡ ከሳልጥ’ዩ።

እቲ ኮሚቲ ኣብ ዘሳልጦ ኣኼባ ኣብ ብሄራዊ ድሕንነትን እዋናዊ ጉዳያትን ትኹረት ብምግባር ክዛተ ኢዩ።

ኣብቲ መበገሲ ሰነድ ድሕሪ ምዝታይ ቀፀልቲ ኣንፈታት ከቐምጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ክብል ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ገሊፁ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ኣኼብኡ፥ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምምርኻብ ስራሕቲ ብሓባር ዝግምግመሉን ኣንፈታት ዘቐምጠሉን ምርድዳእ ከምዝገበረ ይፍለጥ።

Comments
Loading...