Fana: At a Speed of Life!

ኤጀንሲ ኣቕርቦት መድሓኒት ፌዴራል ዕድጊት 300 ማሽናት ኣልትራሳውንድን 50 ዘመናዎት ማሽን ራጂን ኣካይዱ

0 75

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ ኣቕርቦት መድሓኒት ፌዴራል ዕድጊት 300 መሽናት ኣልትራሳውንድን 50 ዘመናዎት ማሽን ራጂን ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

እተን ማሽናት ኣልትራሳውንድ፥ ብብርኪ ሃገር ንጣቢያታት ጥዕናን ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታላትን ንምክፍፋል ቅድመ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እተን ዝተዓደጋ መሽናት ራጂ ንቐዳማይ ብርኪ ሆስፒታላት ከምዝከፋፈላ ተሓቢሩ።

እቲ ዕድጊት ግልጋሎት ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ሕክምና እዛ ሃገር ኣብ ምምሕያሽ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ድማ ተዘሪቡ።

Comments
Loading...