Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሹመት ኮሚሽነርን ምክትል ኮሚሽነርን ምምሕዳር ወሰንን ጉዳያት ማንነትን ኣፅዒቑ

0 199

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሹመት ኮሚሽነርን ምክትል ኮሚሽነርን ምምሕዳር ወሰንን ጉዳያት ማንነትን ሎሚ መዓልቲ ኣፅዒቑ።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል ራብዓይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 39 ስሩዕ ኣኼብኡ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘቕረብዎ ሹመት ኢዩ ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ ዶክተር ጣሰው ገብሬ ኮሚሽነር ምምሕዳር ወሰንን ጉዳያት ማንነትን ከምኡ እውን ኡስታዝ ኣቡበክር ኣሕመድ ድማ ምክትል ኮሚሽነር ምምሕዳር ወሰንን ጉዳያት ማንነትን ብምዃን ተሸይሞም።

እቲ ሹመት ብ25 ተቓውሞ ብኣብዘሓ ድምፂ ከምዝፀደቐ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣካቢን ምክትል ኣካቢን ኮሚሽን ዕርቀ ሰነያ እውን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ ፀዲቑ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያን ካርዲናል ብርሃነ እየሱስ ሱራፌል ኣካቢ፣ ወይዘሮ የትነበርሽ ንጉሴ ምክትል ኣካቢት እቲ ኮሚሽን ብምዃን ከምዝተሾሙ ተገሊፁ።

ሹመት ኣካቢን ምክትል ኣካቢን ኮሚሽን ዕርቀ ሰነያ ብኣብዝሓ ድምፂ ዝፀደቐ እንትኸውን፥ ኣርባዕተ ተቓውሞን 10 ድምፀ ተኣቅቦን ቀሪቡ ኢዩ።

ብበላይ ተስፋዬ

Comments
Loading...