Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ንግስቲ ኔዘርላንድስ ተዛቲዮም

0 102

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ናይ ኔዘርላንድስ ንግስቲ ማክሲማ ተዛቲዮም።

ዶክተር ኣቢይ፥ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኩሉ ዝሓቖፈ ስርዓት ፋይናንስ ተግባራዊ ንምግባር መሓውራዊ ለውጢ ምምፃእ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ዝስራሕ ዘሎ ምዃኑ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ተዛሪቦም።

ኣብ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተወካሊት ልምዓት ፋይናንስ ንግስቲ ማክሲማ፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብፍላይ ዓውዲ ቴሌኮም ዘመናዊ ንምግባርን ናብ ውልቀ ንምዝዋርን ዝግባር ዘሎ ምንቅስቓስ ንኢደን።

እቲ ምንቅስቓስ ንስርዓት ኩሉ ዝሓቖፈ ፋይናንስ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።

ናይ ኔዘርላንድስ ንግስቲ ማክሲማ ኣብ ኢትዮጵያ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዋ እንትኾና፥ ኣብ ናይ ትማሊ ውዕለአን ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወረቅ ዘውዴ ምዝታየን ይዝከር።

Comments
Loading...