Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ንግስቲ ኔዘርላንድስ ተላዚበን

0 150

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ንግስቲ ኔዘርላንድስ ማክሲማ ተዛቲየን።

እተን ፕሬዚዳነት ንኹሉ ዝሓቁፍ ሰርዓት ፋይናነስ ንክጉልብት ዘግበር ዘሎ ፃዕሪ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ንኢደን።

ንግስቲ ማክሲማ ብግደአን፥ እቲ ስርዓት ብፍላይ ደቂ ኣንስቲዮ ብዘሳተፈ መልክዑን ቅድሚያ ክወሃቦም ዝግባእ ተግባራት ብዝተፈለየ መገዲ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢረን ክብል ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ገሊፁ።

ንግስቲ ኔዘርላንድስ ማክሲማ ኣብ ኢትዮጵያ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ምእታወን ይዝከር።

እተን ንግስቲ ኣብ ልምዓት ፋይናንስ ትካል ሕቡራት ሃገራት ብዘለወን ብፅሒት ኣምባሳደርነት ምኽኒያት ኢየን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይዳ ዘለዋ።

Comments
Loading...