Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ጉባኤ ዓለም ለኻዊ ፎረም ኢኮኖሚ ኣፍሪካ 2020 ንምስንዳእ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪማ

0 68

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ጉባኤ ዓለም ለኻዊ ፎረም ኢኮኖሚ ኣፍሪካ 2020 ንምስንዳእ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪማ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ቦርጊ ብሬንደን ክታሞም ኣንቢሮም።

ጉባኤ ዓለም ለኻዊ ፎረም ኢኮኖሚ ኣፍሪካ 2019 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዳቮስ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝካየድ ፎረም ኣብ ኢትዮጵያ ንክሳለጥ ውሳነ ከምዝተውሃበ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ብዘምፅእዎ ዘለዉ ለውጢታት ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ትኸውን ከምዘላ ዝሓበሩ ፕሬዚዳንት እቲ ፎረም፥ እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽካየድ ምውሳኑ ትኽክል ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ዝጀመረቶም ምምሕያሻት ጎድኒ ንጎድኒ ኣብ ቀጠና ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንክነግስ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ፎረም ንምስታፍ ዝመፅኡ ኣፈፀምቲ ስራሕ ግዙፋት ኩባኒያታት ኣብዛ ሃገር መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ብምግባር ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ንመንግስቲ ሓገዝቲ ዝኾኑሉ ዕድል ከምዝፍጠር እውን ተዛሪቦም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ መስከረም መጀመሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ጉባኤ ኣፍሪካ ውፅኢታዊ ከምኸውን ዘለዎም እምነት እውን ገሊፆም።

 

ብባሃሩ ይድነቃቸው

Comments
Loading...