Fana: At a Speed of Life!

መበል 19 ዓለም ለኻዊ ፎረም ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ኢዩ  

0 113

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 19 ዓለም ለኻዊ ፎረም ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ኢዩ።

ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ፌዴሪኢን ዓለም ለኸ ማእኸል ንግዲን ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር እቲ ፎረን ንምሰንዳእ ትማሊ ተስማዕሚዖም።

ነቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ፌዴሪኢ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄርን ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ማእኸል ንግዲ ኤራንቻ ጎንዛሌዝን ተፈራሪመን።

ብመሰረት እዚ እቲ ፎረም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 18 ክሳብ 22 ሕዳር 2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ እንትኸውን፥ ልዕሊ 1 ሺሕ መራሕቲ ቢዝነስ፣ ሓንፀፅቲ ፖሊሲን ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ንግዲን ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ትኹረቱ ድማ ኣብ ክሊ ኣብ ኣፍሪካ ተግባራዊ ዝግበር ናፃ ምንቅስቓስ ንግዲን ቢዚነስን ዘድሃበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ መናእሰይን ደቂ ኣንስቲዮን ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ምህዞታት ንክምህዙ ዘተባብዑ ስልጠናታት ዝወሃብሉን ሓደሽቲ ኣማራፅታት ቢዚነስ ዝፋለጥሉን መድረኽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

 

Comments
Loading...