Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኬኒያ ኣቀባብላ ተገይሩለን

0 96

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኬኒያ ፕሬዚዳንት ዕላዊ ዑደት ስረሐን ጀሚረን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ እንትበፅሓ፥ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬኒያታ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬኒያን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገርን ኣቀባብላ ገይረሙለን።

ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታን ቀዳማዊት እመቤት ማርጋሬት ኬንያታን ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ንፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣቀባብላ ገይረሙለን ኣለዉ።

ከም ኣገላልፃ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬኒያታ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልቲኣዊ ረኽቢ ብዝምልከት ልዝብ ገይረን።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሐ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ክልቲኦም መራሕቲ፥ እወንታዊ ረኽበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክስራሕ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያን ኬኒያን ንቀጠናዊ ሰላምን ምርግጋዕን ካብኣተን ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክፍፅማ ከምዘለወን ተገሊፁ።

 

Comments
Loading...