Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዘጋጠመ ሕማም “ኮሌራ” ንምቁፅፃር 205 ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝተዋፈሩ ተገሊፁ

0 146

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ንዘጋጠመ ሕማም ኣፃዳፊ ተምላስን ተቕማጥን (ኣተት/ኮሌራ) ንምቁፅፃር 205 ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝተዋፈሩ ኢንስቲትዩት ማሕበረሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ዶክተር በየነ ሞገስ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥  ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር፣ ወረዳታት ፀለምትን በየዳን ከምኡ እውን ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ፣ ወረዳ ኣበርጌሌ 175 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተጠርጠሩ ገሊፆም።

ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር ዓሊሙ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናተገበሩ ከምዝፀንሑ ዝሓበሩ ዶክተር በየነ፥ ነዚ ንምቁፅፃር ካብ ፌዴራል፣ ክልልን ዞባን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ጥዕና ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኹ ሓቢሮም።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዘድሊ ገልጋሎት ጥዕና ንምሃብን ነቲ ሕማም ንምቁፅፃርን ዓሊሙ 74 ነጥቢ 9 ሚሊየን ወፃኢ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር 205 ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝተዋፈሩ ተገሊፁ።

Comments
Loading...