Fana: At a Speed of Life!

ዕጫ ትግራይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ’ዩ ዝድረኽ-መንግሰቲ ትግራይ

0 1,124

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዕጫ ትግራይ ኣብ ባዕሉ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ’ዩ ዝድረኽ ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ከምዝበሎ፥ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ፅኑዕ እምነት ብምሓዝ በቢዘመኑን መዋእሉን ንፈታዊን ፀላእን ዘደምምን ዓለም ብዓለማ ታኣምር ዘበለን ንወለዶታት ዝሰጋገር ድሙቕ ታሪኽ ኣበርኪቱ ኢዩ።

ነዚ እውን ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ትግራይ ዘለው ህያው ሓድግታት ምስክር ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ሐዚ እውን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ እቲ ናይ ትማሊ ድልየቱን እምነቱን ዝነበረ ዲሞክራሲያዊ ብሄርተኝነት ኣማዕቢሉ፣ ሰላሙ ሓሊዩ፣ ድሕንነቱን መንነቱን ኣኽቢሩ ብጉልበቱ ፍልጠቱን ገንዘቡን ምዕብልቲ ትግራይ ንምፍጣር ቐትርን ለይትን ይረባረብ ከምዘሎ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ናይ ባዕሉ ውሕሉል ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ካብ ከውሒ ጥራሕ 120 ታሪኻዊ ኣብያተ እምነታትን ንታሪኽ ከም ኣብነት ክፅርሑ ዝኽእሉ ስራሕትን ሰርሑ ኢዩ ዝበለ እቲ ቢሮ፥ ስለዝኾነ እቲ ተግባር ምስሊ ትግራይ ብእዎንታ ክረኣይን ከም ክልል መስሕብ ቱርዝም ክትከውንን ከምዝገበረ ሓቢሩ።

ሓድሽ መንእሰይ ወሎዶ እውን እንተኾነ ኣሰር ወለዱ፣ ሕድሪ ስውኣት ተጋደልትን ሃርበኛታት ወለዱን ኣሕዋቱን ከየዕብረ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ።

ትግራይ ዘለዋ ሃፍቲ ገነትን ፀጋታትን ተረዲኡ“ ልምዓት ዓዲ ብወዲ ዓዲ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጡ፣ ኣብ ኩሉ ዓውደ ስራሕቲ ይነጥፍ ምህላዉ ድማ ከም መርኣያ ኣቕሪቡ።

ብተወሳኺ ዑደተኛታት ወፃኢን ውሽጥን ዓዲ ዝፀንሕሎም ሎጃትን ፓርክታትን ብምህናፅ ናብ ትግራይ ዝውሕዝ  በፃሒ ቁፅሩ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንክረኽቡ ኣብ ምግባር ዝግበር ዘሎ ስራሕ ድማ ንኢዱ።

እቲ ብ10 ቢልየን ብር ኣብ ከተማ ውቕሮ ንኽለምዕ 3 ግንቦት 2011 ዓ/ም ከይዲ ህንፀቱ ንህዝቢ ትግራይ ዕላዊ ዝተገበረ “ሳባዊ ፖርክ ኣሚዝመንትን ሪዞልትን” እውን  ሓደ ናይቲ ፁፁይ መርኣያ ምዃኑ ሓቢሩ።

ነቲ ግዙፍ ፕሮጀክት ሓዊስካ ብኩሎም ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ብሰናይ ተበግሶ ብዝውገኑ ዘለው ስራሕቲ ድማ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዝላዓለ ሓበንን ክብርን ይስምዖም ኢሉ።

ብድምር እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዋዒ ልምዓት ተጠናኺሩ እንተቐፂሉ፥ ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዘ ንህዝብን ሃገርን ዝረብሑ ስራሕቲ ብምፍፃም ኣብነት ኩሉ ዓውዲታት ክትከውን ኣያ ከብል እቲ ቢሮ መልእኽቱ ኣተሓላሊፉ።

 

Comments
Loading...