Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ነዳዲ ከምዘሎ ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ

0 146
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ነዳዲ ከምዘሎ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚኬኤል ገሊፆም።
 
ዶ/ር ደብረፅዮን፥ ኣብ ፖርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ብ2 ነጥቢ 5 ሚልየን ዶላር መበገሲ ካፒታል ስራሕ ዝጀመረ ኬይ ፒ. ኣር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኢንዳስትሪ መፍረይ ጨርቃመርቂ ኩባኒያ ህንዲ ሎ ሚ መዓልቲ ብዕሊ መርቖም።
 
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ትግራይ ብዓይነቱ ፍሊይ ዝበለ ካብ ውሽጢ እምኒን ኣኻውሕን ፈንጭልካ ብምምኻኽ ዝርከብ ነዳዲ ከምዘሎ ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ ኣብርሆም።
እዚ ኣብ ጎበታት እምባ ኣላጀ፣ ነበለትን ጎቦታት ዓዲ-ግራትን ብመፅናዕቲ ተነፂሩ ዘሎ ዑቑር ሃፍቲ ናብ ረብሓ ንምውዓል ግዙፍ ኢንቨስትመንት ዝሓትት ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።
 
ስለዝኾነ ዓቕሚ ዘለዎም ዓለም ለኸ ትካላትን ሰብ ሃፍትን ብቐፃሊ ብምስታፍ ናብ ረብሓ ዝውዕለሉ ፃዕሪታት ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሆም።
 
ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
Comments
Loading...