Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስሑል ሽረ ንኢትዮጵያ ቡና 1 ንባዶ ረቲዓ

0 73

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 24 ሰሙን ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ስሑል ሽረ መስ ኢትዮጵያ ቡና ኣብ ስታዲየም ሽረ ብምርኻብ ፀወተአን ኣካይደን።

ብመሰረት እዚ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስሑል ሽረ ንመጋጥምታ 1 ንባዶ ረቲዓ።

ነታ ሸቶ ሳሊፉ ፎፋና ኣብ መበል 57 ደቓይቕ እዩ ኣቑፂሩዋ።

ስሑል ሽረ ኣብ መበል 22 ሰሙን ምስ ሃዋሳ ከተማ ኣብ ስታዲየም ሽረ ኣብ ዝገበረቶ ፀወታ፥ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ 4 ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት ምዕዋታ ይዝከር።

ሎሚ ድማ 1 ንባዶ በዝኾነ ውፅኢት ንኢትዮጵያ ቡና ረቲዓ ኣላ።

ስለዝኾነ ጋንታ ስሑል ሽረ 22 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ መበል 15 ዝተሰርዐት እንትትከውን፥ ይኹን እምበር ዓወት ብምምዝጋብ እንተቐፂላ ካብ ቀጠና ምውራድ ብምድሓን ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ እትፀንሐሉ ዕድላ ሰፊሕ ኢዩ።

Comments
Loading...