Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ ኤ. ኤን. ሲ. ዝለዓለ ድምፂ ብምርካብ ይመርሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ

0 121

ኣዲስ ኣባባ፣ 02 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ ድምፂ ኣድመፅቲ ክቑፀር ጀሚሩ።

ሰልፊ “ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ” (ኤ ኤ ንሲ) ድማ ብዝለዓለ ድምፂ ይመርሕ ኣሎ ተባሂሉ።

ክመርፅ ካብ ዝኽእል ህዝቢ እቲ 65 ሚእታዊት ኣድሚፁ ኣሎ።

ይኹን እምበር ምስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ድምፁ ዝሃበ 75 ሚእታዊት፥ ብ10 ሚእታዊት ምንካይ ኣርእዩ።

ነዚ ከም ምኽንያት ኣስታት 6 ሚልየን መናእሰይ ድምፂ ንምሃብ ከይተመዝገቡ ተሪፎም’ዮም ዝብል ኣሎ።

ዝኾነ ኾይኑ ክሳብ ሐዚ ናይ ኣስታት 70 ሚኢታዊ ዞባታት ድምፂ ዝተቖፀረ እንትኸውን፥ እቲ ሰልፊ 57 ሚኢታዊት ተዓዊቱ ኣሎ።

ተቓዋሚ ሰልፊ ዴሞክራቲክ ኣሊያንስ ድማ ብ22 ሚኢታዊት ድምፂ ይኽተል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኤ ኤን ሲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ2014 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ 62 ሚኢታዊት ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቱ ነይሩ።

ይኹን ‘ምበር ብሰንኪ ቁጠባዊ ኩነታትን ብልሽውናን፥ ህዝቢ ኣብቲ ሰልፊ እምነት ኽስእን ከመዝኸኣለ ይግለፅ።

ምሉእ ውፅኢት መረፃ ደቡብ ኣፍሪቃ ፅባሕ ቀዳም ዕላዊ ከም ዝግበር ድማ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...