Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ንምውቃብ ንዝተቐረፀ ፕሮጀከት ዝውዕል 500 ሚሊየን ብር ድጋፍ ገይሩ

0 67

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ንምውቃብ ንዝተቐረፀ ፕሮጀከት ዝውዕል 500 ሚሊየን ብር ድጋፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንሰብ ሃፍቲን ትካላትን ዝገበርዎ ፃውዒት ስዒቡ ዝተውሃበ ሓገዝ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

እቲ ባንኪ፥ ኣብ ቀፃሊ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ንምውቃብን ንምምሕያሽን ኣብ ዝቕረፁ ፕሮጀክትታት ብምስታፍ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ ድማ ሓቢሩ።

Comments
Loading...