Fana: At a Speed of Life!

ሚሊሻታት ሊብያ ነፋሪት ውግእ ከም ዘውደቑ ገሊፆም

0 178

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ ጉጅለ ሚሊሻ ሊብያ ዝኾነ ጀነራል ካሊፋ ሃፍጣር፥ ሚሊሻታት ሊብያ ነፋሪት ውግእ ወቒዖም ከም ዘውደቑን እቲ ዝሓዝዎ ኣብራሪ ወፃእተኛ ምዃኑን ኣፍሊጡ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ ዝተዘርግሑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት (ቪድዮ) እቲ ፓይለት ክዳውንቱ ብደም ተፀይቑን ርእሱ ቆሲሉን ይረኣይ።

ብጀነራል ሃፍጣር ዝምራሕ ሰራዊት ኤል ኤን ኤ (ሊብያን ናሽናል ኣርሚ)፥ እታ ሚራጅ ኤፍ-1 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ካብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ኣስታት 70 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ኣብ ትርከብ ዞባ ሂራ ምውዳቓ ሓቢሩ።

ነቲ ሰራዊት ዝድግፍ ሓደ ዌብሳይት ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ እቲ ኣብራሪ ወዲ 29 ዓመት ‘ፖርቹጋላዊ’ ከም ዝኾነ ይዛረብ።

ወኪል ዜና ሮይተርስ ከም ዝፀብፀቦ ሚንስትር ምክልኻል ፖርቹጋል ኣብ ዜግነት እቲ ኣብራሪ መረጋገፂ ዘይክህብ ይኽእል’ዩ።

ወሃቢት ቃል እቲ ሚንስትሪ “ንሕዚ ክንዛረቦ ንኽእል ነገር እንተሃለወ ናይ ፖርቹጋል ወተሃደር ከም ዘይኮነ ጥራሕ’ዩ” ክትብል ገሊፃ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

 

Comments
Loading...