Fana: At a Speed of Life!

ወልዋሎ ምስ ጅማ ኣባ ጅፋር ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ ደረጀኣ አመሓይሻ

0 31

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል 23 ሰሙን ፀወታ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎን ጅማ ኣባ ጅፋርን ፀወተአን ኣብ ስታዲየም ትግራይ ኣካይደን።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዘካየድኡ ፀወታ፥  1 ን 1 ብዝኾነ ማዕተ ወፅኢት ተፈላሊየን።

ብመሰረት እዚ ወልዋሎ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘካየደቶም ፀወታታት 34 ነጥቢ ብምውህላል ካብ ዝነበረቶ ሻምናይ ደረጃ ናብ መበል ሻድሻይ ክብ ክትብል ክኢላ ኣላ።

ወልዋሎ ዝረኸበታ ደረጃኣ እተመሓይሽ ሸቶ፥ ኣብዱራህማን ፉሴይኒ ኣብ መበል 27 ደቒይቕ  እዩ ኣቑፂሩዋ።

ጅማ ኣባ ጅፋር  ኦኪኪ አፎላቢ ኣብ መበል 72 ደቓይቕ ብዘቑፀራ ሓንቲ ሸቶ ማዕረ ክትከውን እንተላ፥ ካብ ዝነበረቶ ሓምሻይ ደረጃ ኣየመሓየሸትን።

ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ፥ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ውፅኢት መቐለ 70 እንደርታ ካልኣይ ኮይና ተሰሪዓ ንዘላ ፋሲል ከነማ ብ5 ነጥቢ ብምብላፅ ድምር 48 ነጥቢ ሒዛ ብቐዳማይ ደረጃ ትመርሖ ኣላ።

Comments
Loading...