Fana: At a Speed of Life!

ደገፍቲ ጋንታ ጊዮርግስ ንኣባላትን ደገፍቲን ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣቀባብላ ገይረሙሎም

0 76

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላትን ደገፍቲን ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቅዱስ ጊዮርግስ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጥ መበል 22 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ወልዋሎ ምስ ደደቢት ኣብ ስታዲየም ትግራይ፣ ስሑል ሽረ ምስ ሃዋሳ ከተማ ኣብ ስታዲየም ሽረ ሰዓት 9 ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣዳማ ከተማ ምስ ኢትዮጵያ ቡናኣብ ስታዲየም ኣበበ በቂላ(ኣዳማ)፣ ጅማ ኣባ ጅፋር ምስ ሲዳማ ቡና ኣብ ስታዲየም ጅማ ከምዝፃወታ ተሓቢሩ።

ከምኡ እውን ወላይታ ዲቻ ምስ መከላከያ ኣብ ስታዲየም ሶዶ፣ ፋሲል ከነማ ምስ ድሬዳዋ ከነማ ኣብ ስታዲየም ፋሲለደስ፣ ደቡብ ፖሊስ ምስ ባህርዳር ኣብ ስታዲየም ባሀርዳር ሰዓት 9 ፀወተአን ከምዘካይዱጨዳ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ይሕብር።

ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ድማ፥ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ቅዱስጊዮርጊስ ሰዓት 11 ክራኸባ ኢየን።

 

Comments
Loading...