Fana: At a Speed of Life!

ወልዋሎን ስሑል ሽረን ኣብ ልዕሊ መጋጥምተን ብሰፊሕ ኣፈላላይ ዓወት አመዝጊበን

0 60

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 22 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 16 ጋንታታት ኣብ ሸሞንተ ምድብ ብምዃን ፀወታታት ኣካይደን።

ብመሰረት እዚ ወልዋሎ ምስ ደደቢት ኣብ ስታዲየም ትግራይ ኣብ ዘሳለጥኡ ፀወታ፥ ወልዋሎ 2 ንባዶ ተዓዊታ።

ወልዋሎ፥ ኤፍሬም ኣሻሞ ኣብ መበል 3 ደቒቓ፣ ሪችሞንድ ኣዶንጎ ኣብ መበል 44′ ደቒቓ ብዘቑፀርወን ሸቶታት እያ ተዓዊታ።

ስሑል ሽረ ምስ ሃዋሳ ከተማ ኣብ ስታዲየም ሽረ ኣብ ዝገበርኡ ፀወታ ድማ፥ ስሑል ሽረ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ 4 ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት ረቲዓ ኣላ።

ቢስማርክ ኣፒያ ኣብ መበል 14′ ደቒቓ፣ ቢስማርክ ኦፖንግ ኣብ መበል 18′ ደቒቓ ከምኡ እውን ሳሊፍ ፎፋና ኣብ መበል 80′ ን 90ን ደቓይቕ ብዘቑፀሩወን ሸቶታት ጋንተኦም ክትዕወት ገይሮም።

ብተመሳሳሊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ፥

• ኣዳማ ከተማ 1-0 ኢትዮጵያ ቡና

• ጅማ ኣባ ጅፋር 1-0 ሲዳማ ቡና

• ወላይታ ዲቻ 2-3 መከላከያ

• ፋሲል ከነማ 2-0 ድሬዳዋ ከነማ

• ባህርዳር 3-3 ደቡብ ፖሊስ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ።

ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ድማ፥ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ቅዱስጊዮርጊስ ሰዓት 11 ተራኺበን ፀወተአን የካይዳ ኣለዋ።

Comments
Loading...