Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ጎልደን ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይቲ ብልዒ ከፍሪ ኢዩ

0 110

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋንነቱ ናይ ማለዥያ ዝኾነ ኩባንያ ጎልደን ኣፍሪካ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይቲ ብልዒ ከምዘፍሪ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ንግዲን ኢንዳስትሪን ፌዴሪኢ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲየን።

እቶም ሓለፍቲ ስራሕ፥ ኩባኒይኦም ኣብ ኢትዮጵያ ንምግብነት ዝኸውን ዘይቲ ኣብ ምፍራይ ንምውፋር ድልየት ከምዘለዎ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ተዛሪቦም።

ከም ኣገላልፃ ወይዘሮ ፈትለወርቅ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንምግብነት ካብ ዝውዕል ዘይቲ እቲ 90 ሚኢታዊ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ዝኣቲ ኢዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድልየት ዘይቲ ይውስኽ ብምህላዉ ኣብ ምፍራይ ዘይቲ ምውፋር ኣዋፃኣይ ከምዝኾነ ድማ ሓቢረን።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ዘፈር ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ቀዳምነት ከምዝወሃቦም ሓቢረን።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ኩባኒያ ፉዓድ ሃዬል ብግደኦም፥ ኩባኒየኦም ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ናብ ስራሕ ብምእታው ን1 ሺሕን 500 ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።

Comments
Loading...