Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝዝቲ መድረኽ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ግብፂ ተሳሊጡ

0 216

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝዝቲ መድረኽ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ግብፂ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ፥ መክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ተሳቲፎም እዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ስግግር መንግስቲ ዘተኮረ እንትኸውን፥ እቲ ሽግግር ዴሞክራሲያዊ ክኸውን እንተኾይኑ ነቲ ቤት ምኽሪ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ግዘ ክወሃቦ ከምዝግባእ እቶም መራሕቲ ኣብ ምርድድእ በፂሖም።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ፥ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕን ዕልባት ንምሃብን ፃዕሪ ከምዝገብሩ ድማ ኣብሪሆም።

ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ስልጣኑ ብስቪል ንዝምራሕ ጉጅለ ፖለቲካ እንተዘይኣረኪቡ እታ ሃገር ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪካ ክትእገድ ከምእትኽእል ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ዘተ፥ እቲ እዋን ንክናዋሕ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኣሎ።

Comments
Loading...