Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ናብ ቻይና ኣምሪሖም

0 138

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣማሲዮም ናብ ቻይና ኣምሪሖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ 17 ክሳብ 19 ሚያዚያ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝካየድ “ቤልት ኤንድ ሮድ ኢኒሼቲቭ ፎረም” ንምስታፍ ዓሊሞም እዮም ናብ ቻይና ተጓዒዞም ዘለዉ።

“ቤልት ኤንድ ሮድ ኢኒሼቲቭ ፎረም” ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ዝተፈላለያ ሃገራት ብመሰረተ ልምዓት ንምርኻብ ዝዓለመ እዩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ፎረም ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ሐዚ ንምበል ካልኣይ ግዘ እዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

Comments
Loading...