Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኤርትራ ብምዃን ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝፀንሐ ጋህነን ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዩ

0 155

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኤርትራ ብምዃን ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝፀንሐ ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ጋምቤላ(ጋህነን) ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዩ።

እቶም ኣባላትን ኣካላት ኣመራርሓን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጋምቤላ እንትበፅሑ፥ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉንን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልል ጋምቤላን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ኣቦ መንበር ጋህነን ኣይተ ኡኬሎ ኡኪዲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ብምጥቃም ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ሰለማዊ ቃልሲ ንምግባር ከምዝወሰኑ ተዛሪቦም።

Comments
Loading...