Fana: At a Speed of Life!

ንተሳተፍቲ ክለብ መናእሰይ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣቢጃን መርሃ ግብሪ ምትብባዕ ተሳሊጡ

0 126

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንተሳተፍቲ ክለብ መናእሰይ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣቢጃን ኣፍሪካ መርሃ ግብሪ መድረኽ ኣፍልጦን ምትብባዕን ተሳሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኮትዲቫር ኣብ ዝተሳለጠ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ፥ 6 ወርቂ፣ 10 ብሩር፣ 14 ነሓስ ብሓፈሻ 30 ሜዲሊያታት ኣምፂኦም እዮም።

ብመሰረት እዚ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ መርሃ ግብሪ መድረኽ ኣፍልጦን ምትብባዕን ኣብ ኢትዮጵያ ሆቴል ተኻይዱ።

ስለዝኾነ ነቲ ክለብ መናእሰይ፥ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ 875 ሺሕ ብር፣ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ 450 ሺሕ ብርን ኣባላል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፈዴሬሽንን በዓል ዋና እቲ ሆቴልን ኣይተ በላይነህ ክነዴ ብውልቆም 150 ሺሕ ብር ተለጊሱ።

Comments
Loading...