Fana: At a Speed of Life!

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኤሜሬትስ ዓረብን ንሱዳን ዝኸውን 3 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ከምዝገብራ ኣፍሊጠን

0 143

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኤሜሬትስ ዓረብን ንሱዳን ዝኸውን 3 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ከምዝገብራ ኣፍሊጠን።

ካብቲ Kልቲአን ሃገራት ዝገብርኡ ድምር ሓገዝ፥ እቲ 500 ሚሊየን ብቐጥታ ናብ ማእኸላይ ባንኪ ሱዳን ኣታዊ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ዝተረፈ ድማ፥ ብመልክዕ ሓገዝ ምግቢ፣ መድሓኒትን ነዳዲን ዝወሃብ እዩ።

እዚ ሓገዝ ንዜጋታት ሱዳናንን ነታ ሃገር ብቤት ምኽሪ ወታደራዊ ሽግግር መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎን ድጋፍ ዝኸውን እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሱዳን ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ሰላማዊ ሰልፍታት፥ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ነቶም ንኣስታት 30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ዝነበሩ ፕሬዚዳንት ዑመር ሓሰን ኣልነሽር ካብ ስልጥን ኣልዩዎም `ዩ።

ነዚ ስዕቡ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን፥ ነታ ሃገር ንክልተ ዓመት ከመሓድር ዝኽእል ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ሽግግር መንግስቲ ምጥያሹ ይዝከር።

ፍልፍል፥ ሮይተርስ

Comments
Loading...