Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ውሑስ ሰላም ንክህሉ ልዑል መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ’ዩ-ሰራዊት ምክልኻል ሃገር

0 136

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዝ ሰሜንን ቢሮ ፀፅታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይን መድረኽ ዘተ ሰላምን ድሕንነትን ኣሳሊጦም።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ካብ ቢሮ ፀፅታን ምምሕዳርን፣ ካብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ዝመፅኡ ላዕለዎት መራሕቲ ስራሕ ፀፅታን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት እዝ ሰሜንን ተሳቲፎም።

ምክትል ኣዛዚ እዝ ሜጀር ጀነራል ኣማረ፥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ውሑስ ሰላም ንክህሉ ልዑል ተጋድሎ ብምፍፃም መስዋእቲ ዝኸፈለ ብምዃኑ ምስጋና ዝግበኦ ህዝቢ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዘሎ እወንታዊ ርክብ ኻልኦት ክልላት ከም ትምህርቲ ክወስድኡ ከምዝግባእ ድማ ሓቢሮም።

ሓላፊ ቢሮ ፀፅታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ መተኩ ብግደኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዝ ሰሜን ኣብ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐን ምስ ህዝቢ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዘለዎን እዩ ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ምስ ህዝቢ ብዘለዎ ምድግጋፍ ክምስገን ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ንዝህሉ ሰላምን ምርግጋዕን ብዋናነት ዓቕሚ ኮይኑ ዝቕፅል ውሽጣዊ ዓቕሚ እቲ ክልልን ተሳትፎ ህዝቢን ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ተኪኡ፥ ኣብ ትግራይ ንዝፍጠሩ እወንታዊ ይኹኑ ኣሉታዊ ተግባራት ክምስገን ወይ ክውቀስ ዝግበኦ መሓዉር እቲ ክልል ከምዝኾነ አገንዚቦም።

“ካብዚ ሓሊፉ ብዝኾነን ዘይኮነን ዛዕባ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እነሸግረሉ ምኽንያት ትማሊ ኣይነበረን፤ ሎሚ ይኹን ፅባሕ እውን ኣይህሊን” ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዕዱም ጋሻ ብምዃን ዝተረኸቡ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ዘላቒ ሰላም ዝርከብ ብተሳትፎ ህዝብን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብዝግበር ምድግጋፍን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብድምር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ወኒኑዎ ዘሎ ህዝባዊ ባህሪን ዝተማልአ ቁመናን ድማ ፍልፍል ኩርዓትናን ክብሪናን እዩ ብምባል ነቲ ሰራዊት ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።

ንቐፃሊ እውን ህዝብን ሰራዊትን ብሓባር ብምዃን እናተዛተዩን እናተማኸሩን ሰላም ክልልን ሃገርን ኣብ ምሕላው ኣጠናኺሮም ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።

Comments
Loading...