Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ልዕሊ 2 ሺሕን 100 ወገናት ንመንበሪ ኣባይቲ ዝኸውን መሬት ሎሚ መዓልቲ ተዋሂቡዎም

0 547

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ 2 ሺሕን 186 ወገናት ንመንበሪ ኣባይቲ ዝኸውን መሬት ሎሚ መዓልቲ ተዋሂቡዎም።

ኣብቲ ምትሕልላፍ መሬት፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግዲን ኢንዳስትሪን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብረሃም ተኸስተ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዞባ ዞባን ክልልን ተረኺቦም እዮም።

ብመሰረት እዚ 300 ኣካል ጉዱኣትን ኣብ 10 ማሕበራት ዝተወደቡ መምህራንን ንሕድ ሕዶም 140 ካሬ ሜትር ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ከምዝተውሃቦም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ 52 ካልኣይ ዙር ማሕበራት ዓርሰ ምትሕግጋዝ ንዝተወደቡ 1 ሺሕን 40 ኣባላት ንሕድሕዶም 70 ካሬ ሜትር ከምዝተውሃቦም ተገሊፁ።

ከምኡ እውን 483 ዕድመ ኣከል መናእሰይ ንሕድሕዶም 140 ካሬ ዝተውሃቦም እንትኸውን፥ ነባር ትሕዝቶ ዝነበሮም 137 ወገናት እውን ንሕድሕዶም 500 ካሬ ሜትር ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስነስርዓት ምትሕልላፍ መሬት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብዮናታት ግዛቸው

Comments
Loading...