Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ሞያሌ ናፃ ቐጠና ቁጠባ ንክህሉ ባህጊ ከምዘለወን ተሓቢሩ

0 72

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ዝሓሸ ቁጠባዊ ውህደት ክፈጥራሉ ኣብ ዝኽእላ መሰረታዊ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንትን ዝርግሐ ትሕተ ቕርፅን ኣተኲረን ከም ዝሰርሓ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬኒያ ኣይተ መለስ ኣለም፥ ኣብ ዙርያ እዋናዊ ጉዳያትን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራትን ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኢትዮጵያን ኬኒያን ዝነሓንሓ ሃገራት ዘይኮናስ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝድረኽ ዕጫ ዘለወን’የን ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡህሩ ኬንያታ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ርክብ እተን ሃገራት ዘጠናኸረ’ዩ ምንባሩ ድማ ተዛሪቦም።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ከም ዝዘተዩ እውን ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እዚ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር፥ መንግስቲ ኬንያ ልኡኻት ንግድን ሰብ ሃብትን ሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ዕድላት ኢንቨስትመንት ንምዕዛብ ምምፅኦም ሓቢሩ ምንባሩ ገሊፆም።

ድሕሪ እዚ ሰብ ሃብቲ ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንምውፋር ድልየት ከም ዘርኣዩ ዝገለፁ ኣምባሳደር ኣለም፥ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ምህርታት ቆርበት ዝነጥፉ ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ናብ ኬኒያ ከም ዝመፅኡ ተዛሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ “ክልቲኤን ሃገራት ውሕስና መግቢ ኣብ ምርግጋፅን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ትኹረት ገይረን ክሰርሓ’የን። ክልቲኤን ዘራኽበን ዶብ ሞያሌ ድማ ናፃ ቐጠና ቑጠባ ንክኸውን መራሕተን ድልየት ኣርእዮም’ዮም” ኢሎም።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ ርክብ ህዝቢ ንህቢ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምጥንኻር ትኹረት ገይሮም ከም ዝሰርሑ’ውን ኣብቲ መድረኽ ቃል ኣትዮም።

Comments
Loading...