Fana: At a Speed of Life!

መፅናዕትን ምርምርን ኢንስትዩት ፖሊሲ ትግራይ ይግምገም ኣሎ

0 264

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መፅናዕትን ምርምርን ኢንስትዩት ፖሊሲ ክልል ትግራይ ምሰ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ስራሕቲ ሴክተራት ሎሚ መዓልቲ ይግምገም ኣሎ።

ብተመራመርቲ ተፅኒዖም ኣብ 2011ዓ.ም ብሴክተራት ክስርሑ ዝተታሓዙ ዕማማት እዮም ዝግምገሙ ዘለዉ።

ብመሰረት እዚ ኣፈፃፅምኡ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ይግምገም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ገምጋም ብርክታት ዕማም ንምፍላጥ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻን ጥዕናን ከምኡ እውን ብመዳይ ትምህርቲ ኣምልኪቱ ሓፂር ትልሚ ኣፈፃፅማ ብምግምጋም ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ እቲ ክልልን ዝምልከቶም ኣከካላትን ከምዝተረኸቡ ድማ ተገሊፁ።

ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ መጠቓለሊ ሓሳብ ንክህቡ ትፅቢት ይግባር።

ፍልፍል፦Tigray Communication Affairs Bureau

 

Comments
Loading...