Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 48 ሚልየን ብር ዘይተመለሰ ልቓሕ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዘሎ ተገሊፁ

0 68

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕሊ 48 ሚልየን ብር ዘይተመለሰ ልቓሕ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ደኣንት እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት እቲ ቤት ፅሕፈት ወይዘሮ ትርሓስ ኣብርሃ ከምዝበልኦ፥ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ እዚ ዓመት ልዕሊ 16 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም።

እቶም መናእሰይ ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ድማ ሓቢረን።

ስለዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ናብ ታሕቲ ወሪዱ መናእሰይ ኣብ ምወዳብ ክፍት ከምዘሎዎ ገሊፀን።

ልቓሕ ምስ ምምላስ ተኣሳሲሩ ምስ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፥ ብመሰረት ኣብዚ ዓመት ዝተትሓዘ ትልሚ 65 ሚኢታዊ ልቓሕ ክምለስ ክኢሉ እዮ ኢለን።

ይኹን እምበር ኣብ ኢድ 5 ሽሕ ሰባት ዝርከብ ልዕሊ 48 ሚልየን ብር እዋኑ ዝሓለፎ ዘይተመለሰ ልቓሕ ምህላዉ ተዛሪበን።

ነዚ ንምምላስ ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ ድማ ወይዘሮ ትርሓስ አገንዚበን።

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...