Fana: At a Speed of Life!

ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ለውጥታት እዛ ሃገር ዝድህስስ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

0 120

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ መጋቢት 2010 ዓ.ም ክሳብ መጋቢት 2011 ዓ.ም ዝተዓመሙ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ለውጥታት እዛ ሃገር ዝድህስስ ዘተ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ከምዝተገለፀ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝግምግም መፅሓፍ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወፅእ እዩ።

ስለ ዝኾነ ነቲ መፅሓፍ እታዎት ዝኾኑ ሓሳባት ንምርካብ ዝዓለመ ዘተ ምሁራን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ፅባሕ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ይካየድ ኣሎ።

ምስንዳእ እቲ መፅሓፍ ብቤት ፅሕፈት ዝምራሕ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያዊን ወፃኢ ዓዲን ዜግነት ብዘለዎም ምሁራን ይዳሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መፅሀፉ የፓለቲካ ለውጥ፣ የኢኮኖሚ ተሃድሶ፣ የሀገረ መንግስት ግንባታ፣ ፌዴራሊዝምን፣ የውጭ ግንኙነትን እና ብሄራዊ ደህንነትን በተመለከተ የተሰሩ ስራዎች በምሁራዊ መንገድ ይገመግማል ነው የተባለው፡፡

እቲ መፅሓፍ፥ ፖለቲካዊ ለውጢ፣ ኢኮኖሚያዊ ተሃድሶ፣ ህንፀት ብሄራዊ መንግስቲ፣ ፌዴራሊዝም፣ ርክብ ወፃኢን ብሄራዊ ድሕንነትን ብዝምልከት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዓይኒ ምሁራን ዝግምግም ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

ብኣላዛር ታደለ

Comments
Loading...