Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ዴሞክራት ኣንፃር ፕሬዚዳንት ትራምፕ ፀቕጥታቶም ኣዛይዶም

0 57

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ናይ ሩስያ ኢድ ምትእትታው ኣብ ናይ 2016 ምርጫ ዝመርመረ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ሮበርት ሙለር ናይቲ ዘካየዶ መርመራ ዘይተፃፈፈ ፃብፃብ ብምፍናዉ ኣባላት ፓርቲ ዴሞክራት እቲ ዝወፅአ ፀብፃብ ብምቅዋም ምሉእን ዝተፃፈፈን ፀብፃብ ናብ ባይቶ ከቕርብ ይጠልቡ ኣለው።

ብኣንፃሩ ደገፍቲ ትራምፕ፥ እቲ ዝተፈነወ ፀብፃብ ዳግማይ ንትራምፕ ካብቲ ኣንፃሩ ዝቐረበ ውንጀላ ነፃ ገይርዎ`ዩ ድሕሪ ምባል እቶም ናይ ሓሶት መርመራ ዝገበሩ ክምርመሩ ኣለዎም ይብሉ ኣለው።

ኣባላት ፓርቲ ዴሞክራት ድሕሪ`ቲ ንነዊሕ እዋን ትፅቢት ዝተገብረሉ ናይ ሩስያ ኢድ ምትእትታው ኣብቲ ናይ 2016 ምርጫ ዝምልከት ፀብፃብ ምዝርግሑ ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ፀቕጥታቶም የዛይዱ ኣለው።

እቲ ነቲ ፀብፃብ ዘዳለወ ሮበርት ሙለር፥ ብዛዕባ`ቲ ዘካየዶ ስርሓት ኣብ ቅድሚ ባይቶ ብምቕራብ ምስክርነቱ ክህብ ኢዮም ኣባላት ፓርቲ ዴሞክራት ዝጠልቡ ዘለው።

እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተፈነወ ፀብፃብ፥ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንሮበርት ሙለር ካብ ሓልፍነቱ ንምስጓግ ከምፈተነ`ውን የቃልዕ።

ናይ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ናይ ሕጊ ጉጅለ ነቲ ትማሊ ዝተፈነወ ዘይተፃፈፈ ፀብፃብ ”ምሉእ ዓወት” ክብሉ ገሊፆሞ።

እቲ 448 ገፃት ዘለዎ ዘይተፃፈፈ ፃብፃብ ውፅኢት ናይ ሮበርት ሙለር፥ ን22 ኣዋርሕ ናይ ሩስያ ኢድ ምትእትታውን ናይ ጉጅለ ትራምፕ ምምሽጣር ምስ ሩስያን ኣብ ናይ 2016 ምርጫ ክምርምር ዝተመዘዘ ዘካየዶ መርመራ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ፃብፃብ፥ ናይ ትራምፕ ናይ ምርጫ ናይ ጎስጓስ ጉጅለ ምስ ሩስያ ብምዃን ዝኾነ ምስ ወንጀል ዝተሓሓዝ ውዲት ከምዘካየዱ ዘምልክት ዝኾነ ጭብጢ ከምዘይረኸበ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ትራምፕ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ መርመራ ንምዕንቃፍ ፈተነታት ኣካይዱ ኣብ ዝብል ጉዳይ ግና፡ ጭቡጥ ሕጋዊ መደምደምታት ክበፅሕ ከምዘይክኣለ ገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...